እዚ መዝገበ-ምልክት ክሳዕ ሎሚ ካብ ዘለው መዘገበ-ምልክት ምልክት ቋንቋ ብዝሐሸ ኹነታት ስፍሕ ኢሉ ዝተዳለወ እንትኾን ንተምሃሮ ፣ ንመፍቀርቲ ባህልን ቋንቋን ፣ ንመተርጎምቲ ፣ ኣብ ገዛ ንዘፅንዑ ፣ ንወለድን በዓልሞያታትን መምሃርን መጣቐስን ንክኸውን ምችው ኾይኑ ዝተዳለወ ፈላማይ ዲጂታል መዘገበ-ምልክት እዩ። እዚ መዝገበ-ምልክት ፍሉይ ዝገብሮ እቲ ቐንዲ ናይ ፅንዓትን ቪድዮን ኣባላት ኹሎም ምስማዕ ዝተስኣኖም ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ፤ እዞም ጉጅለታት ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ፈላማይ ምስማዕ ብዝተስኣኖ በዓልሞያ ቋንቋ ምምርሖም እዩ። እቲ መፅናዕቲ ጉጅለ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዒስራን ሓደን ቦታታት ብምዝውዋር ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ ካብ ዝጥቀሙ ልዕሊ 75 ምስማዕ ዝተስኣኖም ግለሰባት መረዳእታ ኣኪቡ እዩ። መብዛሕቲኦም እውን ካብ ውልደቶም ጀሚሮም ምልክት ቋንቋ ዝጥቀሙ ምስማዕ ዝተስኣኖም ግለሰባት እዮም። እዞም ምልክታት ናብ ሕትመት ቅድሚ ምብቅዖም ብዝተፈላለዩ ናይ መፃረይትን መረጋገፅትን ኸይድታት ንክሓልፉ ተገይሩ እዩ።

መዘከርታ ንተጠቀምቲ

ምልክት ቋንቋታት “ትኽክለኛ ቋንቋታት ኣይኮኑን” ካብ ዝብል ልማዳዊ ዝተሰሓሓተ ኣተሓሳስባ ተቓራኒ ብዝኾነ መልክዑ ምልክት ቋንቋታት ከምዝኾነ ናይ ዝርርብ ቋንቋ ዝማዕበሉን ዝተሓላለኹን እዮም። ሙሁራት ቋንቋ ኣብ ብዙሓት ናይ ምልክት ቋንቋታት ፅንዓታት ዘካየዱ እንትኾን ኣብ ኹሎም ቋንቋታት ውሽጢ ዝርከቡ መሰረታዊ ባህርያት ኣብ ምልክት ቋንቋታት እውን ክረኽቡ ኽኢሎም እዮም። እዚ ኣብ ምልክት ቋንቋ እውን ሓቂ ኾይኑ ይርከብ። ሓደ ሰብ ናይ ሓድ ቋንቋ ቃላት ጥራሕ ብምእካብ ነቲ ቋንቋ ሙሉእ ብሙሉእ ንምፍላጥ ከምዘይከኣሎ ኹሉ እቶም ምልክታት ብምእካብ ጥራይ ምልክት ቋንቋ ምምሃር ኣይኽእልን። ናይ ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ ምልክታት ምምሃር ፤ ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ ምስ ምምሃር ማዕረ እዩ ማለት ኣይኮነን። ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ ምምሃር እቶም ምልክታት ጥራይ ካብ ምምሃር ዝሓለፈ እዩ። ምልክታት ነቲ ቋንቋ ከም ሓደ ዋና እታዎት እዮም። እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ትኹረት ክወሃቦም ይግባእ።

ዓውዳዊ ፍታሕ:ኣብቶም መዝገበ-ቃላት ዝርከቡ ዝተወሰኑ ናይ ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ ምልክታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን/ ወይድማ ሙሉእ ሓሳባት ውሽጢ ሓደ ዓይነት ትርጉም ዘይክህልዎም ይኽእል እዩ። ናይቲ ቃል ወይድማ ሓረግ ትርጉም ከከም ሙሉእሓሳቡ ወይድማ ዓውዱ ክፈላለ ይኽእል።

ስዋስው:ብዙሓት ናይ ምልክታት ቋንቋ ኢትዮጵያ ምልክታት ፤ ብፍላይ ኣብዚ መዝገበ-ቃላት ዝርከቡ ግሳት “መሰረት” እዮም። መብዛሕቲኦም ኣብ ናይ ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ ሙሉእ-ሓሳባት ውሽጢ ለውጢ ከምፅኡ ይኽእሉ እዮም።

ምልክት ምርኣይ (ምዝራብ) :ኣብ ናይዚ ምልክት መግለፅታት (ባህርያት) ኣብ ሓዲኡ ዝግበር ናይ ኢድ ቅርፂ ለውጢ ፤ ምንቅስቓስ ፣ ናይ ኸብዲ ኢድ ኣቀማምጣ ፣ ኣንፈት ፣ ወይድማ ካልኦት ብኢድ ዘይንጥቀሞም ምልክታት (ንኣብነት ናይ ገፅ ኣገላልፃታት) ለውጢ ወይድማ መማሓየሺ ናይ ትርጉም ለውጢ ወይድማ ዝተሰሓሓተ ኣገላልፃ ከኸትል ይኽእል።

ኣፈላላያት:ሓደሓድ ናይ ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ ምልክታት ከባብያዊ (ከምኡውን ናይ ወለዶ) ኣፈላላይ ክህልዎም ይኽእል። ብዝተኽኣለ መጠን ዝተወሰኑ ዝተለመዱ ኣፈላላያት ንምክታት ተሞኪሩ እዩ። ይኹን ዳኣ እምበር ፍልይ ዝበሉ ከባብያዊ ኣፈላላያት ንምፍላጥ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘሎ ሕብረተሰብ ርክብ ክገብሩ ኣለዎም።

ናይ ኣፃብዕቲ ኣገላልፃ:ኣብ ሓደ ቋንቋ ውሽጢ ቃል እንተዘየለ ቃል ካብ ኻሊእ ይልቃሕ። ኣብ ምልክት ቋንቋ ብኣፃብዕቲ እንቅስቃሴ ዝፍጠሩ ፊደላት ኣብ ናይ ዘረባ/ ፅሑፍ ቋንቋ ዘለው ቃላት ይውክሉ።

ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ቋንቋ ንላዕሊ ህይወት ዘለዎ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ከም ዝኾነ ናይ ዝርርብ ቋንቋ ቐፃሊ ብዝኾነ መልክዑ እናተሃነፀ ክኸይድ ዝኽእል እዩ። ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ ብትኽክለኛ መንገዲ ንምጥቃም ዘሎ ዝሓሸ መንገዲ ምስማዕ ምስ ዝተስኣኖም ተጠቀምቲ ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ ዕለት ዕለት ርክብ ምግባርን ምውጋዕን እዩ።