ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ (..) ሓፂር ታሪኽ

ጳውሎስ ካሡ (/)

ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ትምርትታት ምስማዕ ዝተስኣኖም ቅድሚ ምኽፋቶም ምስማዕ ዝተስኣኖም ሕብረተሰብን ምልክት ቋንቋን ምንባሮም ዝሕብሩ ብፅሑፍ ዘይሰፈሩ ዝተወሰኑ ሓበሬታት ኣለው። ኣብ መፋርቅ 1950ታት ካብ ሰሜን ኣሜሪካን ካብ ስዊድንን ዝመፁ ሚስዮናውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ከረንን (ነበር ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረት ኤርትራ) ፈለምቲ ቤት ትምህርቲታት ምስማዕ ዝተስኣኖም ኸፊቶም። ኣብ 1956 ዓ.ም ቤት ትምህርቶም ዝኸፈቱ ኣሜሪካውያን ንመምሃሪ ዝተጠቐሙሉ ቋንቋ ኣብቲ እዋን ኣብ ፅቡቕ ናይ ዕቤት ብርኪ ዝነበረ ናይ ኣሜሪካውያን ምልክት ቋንቋ እንትኸውን ፤ ኣብ ከረን ትምህርቶም ዝጀመሩ ስዊድናውያን ድማ ሃገራት ኖርዲክ ዝጥቀማሉ ሎሚ ናይ ስዊድን ምልክት ቋንቋ እናተብሃለ ዝፍለጥ ነይሩ። ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ምልክት ቋንቋታት ኣፈላላይ እንተሃለወ እኳ ፤ ብኢትዮጵያውያን ተምሃሮኦም ክልቲኦም ተቐባልነት ረኺቦም እቲ ናይ ኣሜሪካውያን ኣብ ማእኸል ሃገር ፣ እቲ ናይ ስዊድን ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ከምዝነበረ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ተምሃሮ ይዛረቡ። ብምልክት ቋንቋ ንምምሃር ፈለምቲ ዝነበሩ እዞም ተምሃሮ ሓሳቦም ንምግላፅ ኣብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብፍላጦም ይኹን ብዘይፍላጦም ኣብ ናይ ኣሜሪካ ይኹን ኣብ ናይ ስዊድን ምልክት ቋንቋታት ንዘየለው ቃላት ናይ ውሽጢ ገዛ ቃላት ምልክታትን ከምኡውን ሓደሽቲ መቦቆላዊ ምልክታት ብምፍላጥን ኣብ ኽልቲኦም ምልክት ቋንቋታት ውሽጢ ዘለው ምልክታት ሃገራዊ ትሕዝቶ ንክህልዎም ገይሮም ብምልዋጥ ሃገራዊ ሓሳባት ንምምሕልላፍ ብምጥቃም ሎሚ ምልክት ቋንቋ ኢትዮጵያ እናተብሃለ ንዝፍለጥ ቋንቋ መሰረት አቐሚጦም እዮም። ኣብ መፈለምታ 1960ታት ናይ ክልቲኦም ቤት ትምህርትታት ተምሃሮ ብስራሕን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ምርኻብ እንትጅምሩ ፤ ናይ ኣሜሪካን ናይ ስስዊድንን ዘይኮነ ኣብ ላዕሊ ናይ ዝተጠቐሱ ሃገራዊ ምልክታት ፅዕንቶ ዘለዎ ሓዱሽ ምልክት ቋንቋ ክረአ ጀሚሩ።

ኣብ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ትምህርትታት ብምምሃርን ናይ ኣሜሪካን ናይ ኖርዲክን ምልክት ቋንቋታት ብምጥቃም ብዛዕባ ምልክት ቋንቋ ግንዛበ ዘማዕበሉ ምስማዕ ዝተስኣኖም ኢትዮጵያውያን ፤ እዚ ውጥን እዚ ስርዓት ንምትሓዝ ፈተነታት ምግባር ጀሚሮም። ናይ ገዛ ውሽጢ ምልክት ቋንቋታት ኾኑ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ውጥናት ናይ ባዕሎም ናይ ኣፃብዕቲ ፊደላት ስለዘይነበርዎም እቲ ፈተነ ናይ ግዕዝ ፊደላት ወከልቲ ዝኾኑ ናይ ኣፃብዕቲ ፊደላት ኣብ ምፍጣር ዝዓለመ ነይሩ። ሓደሓደ ፅሑፋት እዚ ም.ቋ.ኢ ዝተጀመረሉ ወቕቲ ገይሮም ንምቕራብ ይፍትኑ (ይኄይስ፣ 2003) ። እዚ እዋን ናይ ም.ቋ.ኢ ናይ ኣፃብዕቲ ፊደላት ዝተጀመርሉ እምበር ም.ቋ.ኢ ዝተጀመረሉ እዋን ኣይኮነን። ኣብ 1964 ዓ.ም አቶ ምናሴ አበራ ዝተብሃሉ ውልቀሰብ ንመጀመርያ ግዘ ናይ ግዕዝ ፊደላት ወከልቲ ዝኾኑ ናይ ኣፃብዕቲ ፊደላት ንምምሃዝ ፈተነ ገይሮም ፤ ብናይቲ እዋን ኣፀዋውዓ ናይ ዩኒቨርስቲ ቀዳማዊ ኃይለሥላሴ ተምሃሪ ንዝነበሩ ዓርኮም ንኣቶ ተክለሃይማኖት ደርሶ የሪኢዎም። ኽልቲኦም ኣዕሩኽቲ እቲ ምህዞ ብሓባር ምስ ኣፅንዕዎን ሓደሓደ መመሓየሺታት ድሕሪ ምግባሮም ኣብቲ እዋን ናይ ብሄራዊ ማሕበር ምስማዕ ዝተስኣኖም ኣቦ-መንበር ንዝነበሩ ንኣቶ ኃይሉ የሱነህ ዝተብሃሉ ውልቀሰብ ኣቕረቡ። ኣቶ ኃይሉ ነቲ ጉዳይ ትኹረት ብምሃብ ነቲ ፈተነ ዘፅንዕ ሰለስተ ኣባላት ዝሓቖፈ ኮሚቴ ኣጣይሾም። እቶም ኣባላት ድማ ባዕሎም ኣቶ ምናሴ ፣ ኣቶ ተክለሃይማኖትን ኣቶ ኃይሉን ነይሮም። ናይ ኣቶ ምናሴ ናይ ምህዞ ትኹረት ፤ ናይ ግዕዝ ፊደላት ብሓሙሽቲኦም ኣፃብዕቲ ብምስራሕ (ንኣብነት፦ ሀ ፣ ለ ፣ ሐ ፣ መ፣ ሠ፣ ረ፣ ቀ፣ በ፣ ተ፣ ቸ፣ ኀ፣ ነ፣ ወ፣ ዐ፣ ዘ፣ የ፣ ደ፣ ጀ፣ ጠ፣  ፈ፣ ጰ፣ ፐ) ፤ ቅርፆም ብሓሙሽተ ኣፃብዕቲ ንምስራሕ ኣፀገምቲ ዝኾኑ ድማ ካብ ናይ ኣሜሪካ ናይ ምልክት ቋንቋ ፊደላት ብምውሳድ ፣ (ንኣብነት ረ፣ ነ፣ አ፣ ጸ) ፤ ካብዚኦም ክልቲኦም ሓዲኦም ምጥቃም ኣፀጋሚ ኣብ ዝኾኑሎም ኹነታት ድማ ብሃበተረኽበ ኣብ ምምሃዝ (ንኣብነት ሸ፣ ኘ፣ ኸ፣ ዠ፣ ገ፣ ጨ፣ ፀ) ዘድሃበ ነይሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣቶ ምናሴ ንካብዕ ፣ ሣልስ ፣ ራብዕ ፣ ሃምስ ፣ ሳድስ እና ሳብዕ ናይ ፊደል ቑልፍታት (ኣናበብቲ) ኣዳልዮም ነይሮም። “ናይ ሕድሕድ ቑልፊ መሰረታዊ ምልክት ክሳዕ 180 ዲግሪ ምዛር የድሊ ስለዝነበረ ኣነን ኣቶ ምናሴን ተዘራሪብና ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዎም መልክዕ ንክሕዙ ገይርና። …… እቲ ናይ ግዕዝ ድምፂ ኣብዝውክሉ እውን ብመጀመርያ ኣቶ ምናሴ ዘዳለውዎም ሓደሓዲኦም ቀይርና ኢና።“ (ቃለ መሕተት ተክለሃይማኖት 2004)።

ናይ ኣቶ ኃይሉ ኮሚቴ እቲ ምህዞ ድሕሪ ምፅናዕ ውፅኢቱ ንፈተነ ኣቕረበ። እቲ ፈተነ ውፅኢታዊ ስለዝኾነ ምስማዕ ዝተስኣኖም ንምምሃር ኣብ ጥቕሚ ንክውዕል በቲ ማሕበር ኣቢሉ ንሚኒስቴር ትምህርቲ ተመሓላለፈ። ሚኒስቴር ትምህርቲ እውን ቤት ትምህርቲታት ምስማዕ ዝተስኣኖም ርኢቶ ንክህብሉ ገይሩ ፣ ቤት ትምህርቲ ምስማዕ ዝተስኣኖም ኣምሃ ደስታ ን “ወ“ ተዋሂቡ ኣብ ዝነበረ ምልክት ጥራይ ምምሕያሽ ብምግባር ተቐባልነት ስለዝረኸበ ሎሚ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ ምልክት ንክኾን ተገይሩ። እቲ ኮሚቴ ነቲ ምምሕያሽ ዝተቐበሎ ናይ ”ወ“ ምልክት ግድፈት ስለዝነበሮ ዘይኮነስ ፤ ብሓባር ናይ ምስራሕ ድሌትን ስምዒትን ንምምዕባል ብዝብል ነይሩ። ድሕሪ እዚ እቲ ፈጠራ ናይ ሚኒስቴር ትምህርቲ ድጋፍን ተቐባልነትን ስለዝረኸበ ፤ ምስማዕ ዝተስኣኖም ተምሃሮ ኣብ ዝርከቡሎም ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከቡ ብሙሉኦም ቤት ትምህርቲታትን ቤት ፅሕፈታትን ኣብ ጥቕሚ ንክውዕል ሰርኩላር ተመሓላሊፉ። ኣቶ ምናሴ ናይ ም.ቋ.ኢ ናይ ኣፃብዕቲ ፊደላት ናይ ምህዞ ናይ ቅዳሕ መሰል ዘይተውሃቦም ንምንታይ ከምዝኾነ ኣቶ ተክለሃይማኖት (2004) ከምዚዝስዕብ የረድኡ ፤ “ኣብቲ እዋን ኣልዒለዮ ዝተዘራረብናሉ ጉዳይ ነይሩ። ኣቶ ምናሴ ርህሩህን ኣርሒቑ ሓሳብን ፤ ንወገኑ ሓላይ ብምዃኑ ፤ ዝሓስቦ ዝነበረ ምህዙኡ ምስማዕ ንዝተስኣኖም ዝህቦ ረብሓ እምበር ናይ ውልቀ ረብሕኡ ኣይነበረን። መሰል ቅዳሕ እውን ንዕኡ ምንም ከምዘይነበረ ነይሩ ዝነገረኒ።” እቶም ናይ ኣፃብዕቲ ፊደላቶም ብናይ ባዕዲ ቋንቋ ብምምሃሮም ባህሎም ንምርዳእን ምስቲ ሕብረተሰብ ንምርድዳእን ፀገም ናይ ዝነበሮም ተምሃሮ ፀገም ካብ ምፍትሑ ንላዕሊ ብሄራዊ ናይ ምልክት ቋንቋ መዝገበ-ምልክት ንምድላው መሰረት ኣቐሚጡ።

 እቶም ናይ ኣፃብዕቲ ምልክታት ብሚኒስቴር ትምህርቲ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቦም ናይ ምልክት ቋንቋ መዝገበ-ምልክት ምድላው ኣድላይ ምዃኑ ስለዝተኣመነሉ ፤ መዝገበ-ምልክት ንምድላው ፃዕሪ ምግባር ጀሚሩ። ኣብቲ ምድላው ቤት ትምህርቲታት ምስማዕ ዝተስኣኖም ተሳተፍቲ ንምግባር ግድን ናብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ምኻድ የድሊ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ን”እድገት በህብረት” ወፍሪ ፤ ኣቶ ምናሴ ናብ ደብረብርሃን ኣቶ ተክለሃይማኖት ድማ ናብ ኣሰላ ወፊሮም ስለዝነበሩ ፤ እቲ ጉዳይ ናይ ምክትታል ሓላፍነት ዝወደቐ ኣብ ማእገር ኣቶ ኃይሉ ነይሩ (ተክለሃይማኖት 2004)። ብናይ ኣቶ ኃይሉ ፃዕሪ እውን ብ1968 ዓ.ም ብናይ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣካብነት ብዝተገበረ ናይ ክልቲኦም ቤት ትምህርቲታት ምስማዕ ዝተስኣኖም (መካኒሳን ኣልፋን)፤ ናይ ምስማዕ ዝተስኣኖም ብሄራዊ ማሕበር ፤ ናይ ሚኒስቴር ትምህርቲ ናይ ፉሉይ ትምህርቲ ክፍሊ ተወከልቲ ዝሓቖፈ ኮሚቴ ተጣይሹ “ናይ ኣምሓርኛ” መዝገበ-ምልክት ንክዳሎ ተወሲኑ። ብመሰረት እዚ ድማ ትሽዓንተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ዝተመስረተ እንትኸውን ፤ ካብቶም ኣባላት ክልቲኦም ኣቶ ተክለሃይማኖት ደርሶን አቶ ኃይሉ የሱነህን ነይሮም። እቲ ኮሚቴ እንትጣየሽ ኣቶ ተክለሃይማኖት ካብ ኣሰላ ናብ ኣዲስ ኣበባ “ዘመቻ መምርያ“ ተመሊሶም ስለዝነበሩ ፤ ናይቲ ኮሚቴ ኣባል ናይ ምዃን ዕድል እንትረኽቡ ፤ ኣቶ ምናሴ ግና ርሑቕ ስለዝነበሩ ፤ ኣብቲ ኮሚቴ ውሽጢ ኣይኣተውን። እቲ ኮሚቴ እውን ምስማዕ ዝተስኣኖም ኣዘውቲሮም ዝጥቀሙሎም ምልክታት ብምምራፅ ፤ ዓለምለኻዊ ዝኾኑ ምልክታት ከምዘለውዎ ብምውሳድ ኣብ ባህልና ውሽጢ ጉልህ ኢሎም ዝረኣዩ መሪፆም ብምእታውን ካብቲ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ምልክት ቋንቋ እውን ፅፈትን ተስማዕማዕነትን ዘለዎም ከምዘለውዎ ብምውሳድ (ሀ መፅሓፍ1971) ብ1978 ዓ.ም እቲ ስራሕ ዛዚሙ ንሚኒስቴር ትምህርቲ ኣረኪቡ። ”ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ተወኪሎም ዝነበሩ ናይቲ ኮሚቴ ኣባላት ኣብቲ ናይቲ መፅሓፍ ትሕዝቶ ዝገበርዎ ዝኾነ ዓይነት ኣስተዋፅኦ ኣይነበረን።” (ተክለሃይማኖት 2004)። እቲ ኮሚቴ ስርሑ ምስ ዛዘመ ናይ ኣርትዖት ስራሕ ነቲ ማሕበር ተዋሂቡ። ናይ ስእሊ ስራሕ እውን እቲ ማሕበር በዓል ሞያ ደልዩ ከስርሕ ስለዝተብሃለ ፤ እቲ ማሕበር ካብ ሞንጎ ኣባላቱ ሰኣሊ ኣቕሪቡ። ነቲ ሰኣሊ ዝኽፈል ኣበል ክልቲኦም ቤት ትምህርቲታት ንክሽፍኑ እንትግበር ፤ ሚኒስቴር ትምህርቲ ድማ ናይ መምሃሪ መፅሓፍቲን መዝገበ-ምልክታትን ንከሐትም እቲ ኮሚቴ ተስማዕሚዑ።

1ይ መፅሓፍ ፈላማይ መዝገበ-ምልክት (1972 ዓ.ም)

ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ብ1971 ዓ.ም “የአማርኛ የምልክት ቋንቋ መስማትና መናገር ለተሳናቸው፣ ሀ 1ኛ መጽሐፍ” ዝብል ርእሲ ዝተውሃቦ 15 ምዕራፋትን ናይ ሓደ ሽሕን ትሽዓንተን ምልክታት ስእልታትን 270 ዝኾኑ ስእሊ ኣልቦ ናይ ምልክታት መግለፂ ዝሓዘ ናይ መጀመርያ መዝገበ-ምልክት ተሓቲሙ ወፂኡ። እቲ መዝገበ-ምልክት ናይ ሓረግን ስእልን መግለፅታት ከምኡውን ናይ ድርጊትን (ተግባር) ኣንፈትን መመልከቲ መስመራትን ቀስትታትን ዝነበርዎ ስለዝነበረ ንምርድኡ ቀሊል ነይሩ። ናይቲ ምድላው ዕላማ እውን ምስማዕ ዝተስኣኖም “ንምሕጋዝ ንዝደልዩ ኹሎም ከም መበገሲ ኾይኑ ከምዘገልግሎምን ብፍላይ ድማ ወለዲ ምስ ደቆም ክዘራረቡ ንምኽኣል” ተሓሲቡ ነይሩ።

እዚ ፈላማይ መዝገበ-ምልክት ንምንታይ “ናይ ኣምሓርኛ ምልክት ቋንቋ” ከምዝተብሃለ ካብቶም መዳለውቲ ሓደ ከምዚ ዝስዕብ የረድኡ፦

  • “እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኣብቲ እዋን መዳለውቲ ብዛዕባ ምልክት ቋንቋ ዝነበረና ፍልጠት ውሱን ብምንባሩ እዩ። ኣብቲ እዋን ንጥቀመሉ ዝነበርና ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካን ስዊድንን ዝነበሩ ምስማዕ ዝተስኣኖም ዝጥቀሙሎም ናይ ምልክት ቋንቋታት እንትኾኑ ፤ ብመልክዕ መፅሓፍ እንትመፁ ድማ ፍታሖም ብኢንግሊዝኛ ቋንቋ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ ናይ ኢንግሊዝኛ ምልክት ቋንቋ እናተብሃሉ ይፍለጡ ነይሮም። ፍታሖም ብኢንግሊዘኛ ስለዝነበረ መብዛሕትኦም ምስማዕ ዝተስኣኖም ተምሃሮ ፣ ናይ ምስማዕ ዝተስኣኖም ተምሃሮ ወለድን ካልኦት ምልክት ቋንቋ ናይ ምምሃር ድሌት ዝነበሮም ኢትዮጵያውያን በቲ መፅሓፍ ምጥቃም ኣይኽእሉን ነይሮም። ናይ ምልክት ቋንቋ መዝገበ-ምልክት ንምድላው እንትንለዓል ቀንዲ ዓላማና እዚ ፀገም ብምፍታሕ እዞም መፀሓፍቲ ኣብ ኹሉ ሰብ ኢድ ንክኣትውን እቲ ቋንቋ ንክስፋሕፋሕ ኣብ ምግባርን ዘድሃበ ነይሩ። ናይቲ መፅሓፍ ርእሲ ኣምሓርኛ ዝበልናዮ እቲ ምልክት ኣምሓርኛ እዩ ንምባል ዘይኾነ ናይቲ መዝገበ-ምልክት መግለፅታት ከምቶም ኻልኦት ብኢንግሊዝኛ ዘይኾነ ብኣምሓርኛ ምዃኑ ንምሕባር ነይሩ። (ተክለሃይማኖት 2004)

ናይዚ መዝገበ-ምልክት ሕትመት ንናይ ም.ቋ.ኢ ኣፍልጦን ተቐባልነትን ከምኡውን ምስፍሕፋሕ ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ድሕሪ ናይዚ መዝገበ-ምልክት ምሕታም ፤ ም.ቋ.ኢ ምስፍሕፋሕን ምዕባይን ጀሚሩ። እዚ ተኸቲሉ እውን እቲ መዝገበ-ምልክት ዝሓዞም ምልክታት ብኣብዝሓ ካብ ናይ ኣሜሪካን ስዊድንን ናይ ምልክት ቋንቋታት ዝተወሰዱ ስለዝኾኑ ፤ ናይቲ መዝገበ-ምልክት ርዕሲ እውን ናይ ኢትዮጵያ ዘይኾነ ናይ ኣምሓርኛ ናይ ምልክት ቋንቋ ስለዝብል ፤ ዝተዳለወሉ እውን እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ብዝምልከቶም ምስማዕ ብዝተስኣኖም ብዘይምዃኑ ክመሓየሽ ኣለዎ ዝብል መትከል በቶም ተጠቀምቱ ክንፀባረቕ ጀሚሩ። ኾይኑ ግና እቲ ሓሳብ ናይ ኹሎም ድጋፍ ስለዘይነበሮን ናይ ምስማዕ ዝተስኣኖም ብሔራዊ ማሕበር እውን ብዘይካ ናይ መንግስቲ ሓገዝ መዝገበ-ምልክት ናይ ምድላው ዓቕሚ ስለዘይነበሮ ክሳዕ 2000ዓ.ም እቲ ሓሳብ ተግባራዊ ኣይኾነን።

ንኻልኣይ ግዘ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ምልክት ቋንቋታት መዝገበ-ምልክት ንምድላው ፈተነ ዝተገበረ ድሕሪ 18 ዓመታት ኣብ መፋርቕ 1980ታት ብመንግስታዊ ኣካል ነይሩ። ብ1986 ዓ.ም  ብመተሓባበሪ ምድላው ስርዓተ-ትምህርቲ ሞያን ፍሉይ ትምህርትን ፤ ናይ ፍሉይ ድሌት ስርዓተ-ትምህርቲ ምድላው ጉጅለን እቲ ረቒቕ ተዳልዩ ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኢንስቲትዩት ምድላው ፅንዓትን ምርምርን ስርዓተ-ትምህርቲ ሚያዝያ 1990 ዓ.ም ዝተሓተመ (ብኮምፒዩተር ተባዚሑ ብኢድ ዝተጠረዘ) እዚ መዝገበ-ምልክት “የምልክት ቋንቋ መዝገበ ቃላት፣ ሁለተኛ መጽሐፍ” ዝብል ርእሲ ዘለዎ እንትኾን 1314 ምልክታት ኣለውዎ። እቲ ምድላው ካብ መፈለምትኡ ናይቲ ቋንቋ ወነንትን ማሕበርን ብዘይምክታቱ እቲ መዝገበ-ምልክት ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ብ1994 ዓ.ም ብሄራዊ ማሕበር ምስማዕ ዝተስኣኖም ኢትዮጵያ ናይ ምልክት ቋንቋ ልምዓት ፕሮጀክት ኣዳልዩ ብማሕበር ምስማዕ ዝተስኣኖም ፊንላንድ ኣቢሉ ንናይ ፊንላንድ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣቕሪቡ። እቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ልዕሊ 85 ሽሕ ዩሮ ብምልጋሱ እቲ መዝገበ-ምልክት ናይ ምድላው ስራሕ ብ1994 ዓ.ም ተጀሚሩ ድሕሪ ሽድሽተ ዓመታት ብ2000 ዓ.ም ንሕትመት በቒዑ። እዚ ብብሄራዊ ማሕበር ምስማዕ ዝተስኣኖም ኢትዮጵያ ብምሕታም ፈላማይ ፤ ብሃገርለኸ ግና ኻልኣይ (እቲ ኻልኣይ መዝገበ-ምልክት ተተቖፂሩ ሳልሳይ) ዝኾነ መዝገበ-ምልክት ኣብ ዙርያ 25 ርእስታት 1322 ምልክታት ዝሓዙ 464 ገፃት ኣለውዎ። እዚ መዝገበ-ምልክት ብትሕዝትኡን ብዓይነቱን ካብቲ ናይ መጀመርታ መፅሓፍ ሀ ብብዙሕ መልክዑ ዝተፈለየ እዩ። ቀዳማይ ፤ ብሄራዊ ትሕዝቶ ኣለዎ ፤ ኣርእስቱ ከምቲ ብሚኒስቴር ትምህርቲ ዝተሓተመ “የኣማርኛ የምልክት ቋንቋ“ ዘይኾነስ ፤ ” የኢትዮጵያ ምልክት ቋንቋ“ ዝብል እዩ። ካልኣይ እቶም ምልክታቱ ዝቐረቡ ብስእሊ ዘይኾነስ ብፎቶግራፍ እንትኾን ፤ ከከም ኣድላይነቱ ንሕድሕድ ምልክት ካብ ሓደ ንላዕሊ ፎቶግራፋት ኣለውዎ። ሳልሳይ ፤ እቶም ቃላት ዝተፅሓፉ ብኣምሓርኛን ብእንግሊዝኛን ስለዝኾኑ ፤ ኣምሓርኛ ምንባብ ዘይኽእሉ እውን ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ራብዓይ ፤ ካብ ናይ ፊንላንድ ናይ ምልክት ቋንቋ ዝተወሰዱ ናይ ክንዋነ ምልክታት መመልከትቲ ቀስትታት ስለዘለውዎ ናይ ምልክታት ኣሰራርሓ ብቐሊሉ ምርዳእ ይከኣል። ሓምሻይ ፤ መብዛሕቲኦም ምልክታት መቦቆላውያን እዮም። ሻልሻይ ፤ ዲዛይኑን ቕንብሩን ዝሓሸ እዩ። ሻብዓይ ፤ በዓልሞያታት ስነ-ልሳን ዘካተተ ነይሩ። ብኹሎም ምምዘንታት እዚ መዝገበ-ምልክት ክሳብ ሎሚ ካብ ዝተሓተሙ መዝገበ-ምልክታት ኹሎም ዝሓሸን ብስፍሓት ዝተሰራጨወን እዩ። ኣብ መጀርታ ከባቢ “የደናቁርት ቋንቋ” ደሓር ድማ “የኣማርኛ የምልክት ቋንቋ” ብዝብል መፀውዒ ዝፍለጥ ዝነበረ ቋንቋ ሎሚ ዝፅውዐሉ “የኢትዮጵያ ምልክት ቋንቋ” ዝብል ስያመ ዝረኸበ ድሕሪ ምሕታም እዚ መዝገበ-ምልክት እዩ።

ኣብ ታሪኽ ም.ቋ.ኢ ልዑል ስፍራ ካብ ዘለዎም ተግባራት ሓዲኡ ኣብ 2000ዓ.ም ብዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ትምህርቲ ምልክት ቋንቋን ፅንዓት ባህሊ ምስማዕ ዝተስኣኖምን ኢትዮጵያ ምኽፋቱ እዩ። እዚ ናይ ቅድመ-ምረቓ መርሃግብሪ ብዓይነቱ ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ምዃኑ ይእመን። ናይዚ ክፍሊ ትምህርቲ ምኽፋት ናይ ም.ቋ.ኢ ምምሃር-ምስትምሃርን ምትርጓምን ንምዝማን ዝሕግዙ ብዓልሞያታት ካብ ምፍራዩ ብተወሳኺ ኣብ ም.ቋ.ኢ ሳይንሳዊ ፅንዓት ንምክያድን ንምስናድን ዘኽእሉ ምቹው ኣጋጣምታት ፈጢሩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ክፍሊ ትምህርቲ ልዕሊ ሚኢቲ ናይ ቅድመ-ምረቓን ልዕሊ ዓሰርተ ናይ ድሕረ-ምረቓን መፅናዕትታት ዝተገበሩ እንትኾን ካብዞም መፅናዕትታት እዚኦም ኣርባዕቲኦም ብብርኪ ዶክትሬት ዝተገበሩ እዮም።

2ይ መፅሓፍ ፈላማይ መዝገበ-ምልክት (2000 ዓ.ም)

እዞም መፅናዕትታት እዚኦም ም.ቋ.ኢ ናይ ቋንቋ መመዘንታት ዘማልአን ናይ ባዕሉ ናይ ስዋሰው ስርዓታት ዘለውዎ ቋንቋ ምዃኑን ከምኡውን ካብ ኣምሓርኛን ካልኦት ሃገራዊ ቋንቋታትን ዝተፈለየ ቋንቋ ምዃኑ ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ብኹሎም ናይቲ ፌደሬሽን ክልላት ምስ ምስማዕ ዝተስኣኖም ንምርድዳእን ምስማዕ ዝተስኣኖም ንምምሃር ብስፍሓት ኣብ ጥቕሚ እናወዓለ ከምዝርከብ ኣረጋጊፆም እዮም። ኣብዚ ሎሚ ግዘ ም.ቋ.ኢ ኣብ ኹሎም ክልላት ብስፍሓት ኣብ ጥቕሚ እናወዓለ እንትኸውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዘሎ ናይ ም.ቋ.ኢ ኣጠቓቕማ ተመሳሳልነት ዝለዓለን ናይቶም ዘለው ምልክታት ኣፈላላይ ፀቢብ ብምዃኑን ኹሎም ናይ ም.ቋ.ኢ ተጠቀምቲ ብዘይ ፀገም እናተረዳዱኡሉ ከምዝኾነ ዝተገበሩ መፅናዕትታት የመላኽቱ።